Fana: At a Speed of Life!

ናይ ኢትዮጵያ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢንስቲትዩትን ናይ ኢትዮጵያ ፌደራል ፖሊስን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ሰነድ ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ኢትዮጵያ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢንስቲትዩትን ናይ ኢትዮጵያ ፌደራል ፖሊስን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

ናይቲ ኢንስቲትዩት ዋና ዳይሬክተር ኢንጅነር ወርቁ ጋቸና፥ እቲ ስምምዕነት ክልቲአን ትካላት ዘለዎም ዓቕሚ ኣዋዲዶም ንምስራሕ ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም።

ነዚ ድማ ብቴክኖሎጂ ኣቕርቦትን ተጠቃሚነትን ከምኡውን  ናይ ሰብ ሓይሊ ልምዓት እቲ ኢንስቲትዩት ምስ ናይ ኢትዮጵያ ፌዴራል ፖሊስ ተዋዲዱ ንምስራሕ ቁርፀኛ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ናይ ኢትዮጵያ ፌደራል ፖሊስ ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረ ሚካኤል ብግደኦም፥ እቲ ስምምዕነት ክልቲኦም ትካላት ንሃገር ዘበርክትዎ ኣስተዋፅኦ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ንምግባር ከምዘኽእል ምምልኻቶም ካብቲ ኢንስቲትዩት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.