Fana: At a Speed of Life!

ኔቶ ኣብ ታሪኩ እቲ ዝዓበየ ዝበሃል ልምምድ ነፈርቲ ክገብር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኔቶ ኣብ ታሪኩ እቲ ዝዓበየ ዝበሃል ልምምድ ነፈርቲ ኣብ ጀርመን ከምዝገብር ኣፍሊጡ።

እቲ ልምምድ ሰራዊ ሩሲያ ንምምካት ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ድሕሪ 74 ዓማውቲ ኣብ ዝግበር ልምምድ ነፈርቲ ልዕሊ 250 ኣውሮፕላናትን ካብ 25 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ 10 ሺሕ ኣባላት ክሳተፉ ኢዮም።

ልምምድ ፀረ ነፈርቲ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 23 ሰነ 2023 ዓ.ም.ፈ ዝግበር እንትኸውን፥ ኔቶ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ዘለዉ ዓቕሚ ምክልኻል ንምጥንኻርን ኣብ መንጎ ኣባላቱ ዘለዎ ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ክብ ንምባልን ዝዓለ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣሜሪካ ኣብቲ ልምምድ ዝሳተፋ ኣስታት 100 ኣውሮፕላናት ናብ ኣውሮፓ ከምእትልእኽ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ልምምድ ዝሳተፉ ወተሃደራት ካብ 29 ግንቦት ጀሚሩ ናብ ኣውሮፓ ከምዝኣተዉ ሲ ጂ ቲ ኤን ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.