Fana: At a Speed of Life!

ንህዝቢ ሱዳን ዘለና ድጋፍ ብሙሉእ ልቢ ነረጋግፅ – ቀ/ሚ ኣቢይ

አዲስ አበባ፣ መስከረም 18፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ንህዝቢ ሱዳን ዘለና ድጋፍ ብሙሉእ ልቢ ነረጋግፅ ክብሉ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ትዊተር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ኢትዮጵያን ሱዳንን ናብ ዴሞክራሲ ዝገብረኦ ስግግር ብዙሓት ማሕለኻታት እናጋጠሙዎ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ሓው ህዝቢን መንግስቲን ሱዳን ዝገጠሞ እዋናዊ ፀገም ብቐረባ እናተኸታተለ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

እዚ እዋናዊ ፀገም ሱዳናውያን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኢድ ኣእታውነት ባዕሎም ክፈትሑዎ ኢዮም ዝብል እምነት ከምዘለዎም ገሊፆም።

“ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝለዓሉ ጎንፂታትን ፈተናታትን ብምጥቃም ክፉኣት ሓይሊታት ወፃኢ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኢድ ንምእታው ብሄራዊ ሉኣላውነት ብምጥሓስ ናይ ባዕሎም ልዕልነት ከምኡ እውን ድሌቶም ንምፅዓን ልዑል ድሌት ከምዘለዎም ንዕዘብ ኣለና” ክብሉ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ሱዳን ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ኢድ ኣእታውነት ወፃኢ፣ ግልፂን ዝተሓብኡን ትእዛዛት ክትፈቅድ የብላን ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.