Fana: At a Speed of Life!

ንሰብ ሞያታት ጥዕና ተኸታታሊ ስርዓት መዕበዪ ሞያ ከምብሓዱሽ ክወሃብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንሰብ ሞያታት ጥዕና ተኸታታሊ ስርዓት መዕበዪ ሞያ ብሓዱሽ መልክዑ ከምዝወሃብ ሚንስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ተዛሪበን።

እተን ሚኒስትር ከምዝበለኦ፥ ዘለናሉ ዘበን ሳይንስ ሕክምና ብዝለዓለ ብርኪ ዝዓበየሉን ምዕባለ ቴክኖሎጂ ዝተርኣየሉን ኢዩ።

ብተወሳኺ ሓደሽቲ ኣሰራርሓታትን ኣተሓሳስባታትን ዝማዕበሉሉ እዋን ምዃኑ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ ድሌት ግልጋሎት ጥዕና ሕብረተሰብ ብልዑል ብርኪ ዝወሰኸሉ እዋን ከምዝኾነ ገሊፀን።

ነዙይ ኣብ ግምት ዘእተወን ንወቕቱ ዝምጥንን ዓቕሚ ሰብ ሞያታት ጥዕና ዘዕቢ ስርዓት መዕበዪ ሞያ ምሕንፃፅ ኣገዳሲ ከይኑ ከምዝተረኸበ ኣብሪሀን።

እቲ ስርዓት መዕበዪ ሞያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ዝርከበሉ ዝተቖራረፀን ድኹምን ኣሰራርሓ ናብ ዝሐሸን ዝተዋደደን ስርዓት ንምዕባይ ዝተዳለወ ከምዝኾነ ሓቢረን።

ብዋንኡ ዓቕሚን ክእለትን ሰብ ሞያታት ጥዕና ንምዕባይ ዝዓለመ ስርዓት ይኹን እምበር ኣብ ምምሕያሽ ፅሬት ግልጋሎት ጥዕና ዘይትካእ ግደ ከምዝህልዎ እውን ኣብሪሀን።

እቲ መዕበዪ ሞያ ኣብ ኩሎም ደረጃታትን ዘፈራት ጥዕናን ዝርከቡ ሰብ ሞያታት ጥዕና ፍልጠትን ክእለትን ካብ ምዕባይ ብተወሳኺ ተወዳዳራይነት ዕቤት ሞያ ከምድንፍዕ ዶክተር ሊያ ገሊፀን።

ቅድሚ ሕዚ ብዝነበረ መምርሒ መሰረት ብምግባር ከምዝትግበር ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ ኩሎም ማዳርግቲ ኣካላት ዝኣሎም ንኽገብሩ ሓቲተን።

ካብ ዝቕፅል ዓመት ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን እቲ ስርዓት መዕበዪ ሞያ ጥዕና፥ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ተፈፃሚት እቲ ስርዓት ዘድሃበ ኣንፈት ከቕምጥ ኢዩ ተባሂሉ።

ተኸታታሊ ስርዓት መዕበዪ ሞያ ሰብ ሞያታት ጥዕና ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ስራሕ ከምዝወዓለ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.