Fana: At a Speed of Life!

ንስደተኛታት ዝወሃብ ሓገዝ ኣብ ምፍጣር ማሕበራዊን ቁጠባዊን ዓቕሚ ስደተኛታት ዝረአ ለውጢ ዘምፅእ ክኸውን ይግባእ – ኣይተ ደመቀ

ኣዲስ ኣበባ፣ 07 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ማሕበረሰብ ዓለም ንስደተኛታት ዝህቦ ሓገዝን ምላሽን ኣብ ምፍጣር ማሕበራዊን ቁጠባዊን ዓቕሚ እቶም ስደተኛታት ዝረአ ለውጢ ዘምፅእ ክኸውን ከምዝግባእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ኣብ “ዓለም ለኸ ፎረም ስደተኛታት” ተረኺቦም ዘረባ ዘስምዑ ኣይተ ደመቀ፥ ስደተኛታት ዝግበር ድጋፍን ምላሽን ተርጉም ዘለዎ ክኸውን ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ንስደተኛታት እትገብሮ ሓገዝ ብመሰረት ዓለም ለኸ ማዕቐፍ ስምምዕመነት ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብ መሰረታዊ ግልጋሎትን ሓለዋ ማሕበራዊ ድሕንነትን፣ ኣብ ህንፀት ዓቕሚ፣ ኣብ ስልጠናን ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳርን ዙርያ ብተግባር ዝቑፀሩ ሓገዛት ንምግባር ድልውቲ ከምዝኾነት ዕላዊ ምግባሮም ካብ ቤት ፅሕፈት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብመሰረት እዚ ድማ 90 ሺሕ ንዝኾኑ ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታትን ቁጠባዊ ተረባሕነት ንምፍጣር ከምኡ እውን ን20 ሺሕ ስደተኛታትን ኢትዮጵያውያንን ፅሬት ዘለዎ ናይ ክእለት ስልጠና ንመሃብ መደብ ከምዝተትሓዘ ኢዮም እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝሓበሩ።

መንግስቲ፥ ኣብ ምጥንኻር ዓቕሚ ምትእንጋድ ስደተኛታት ብፍላይ ድማ ኣብ ሓለዋ ማሕበራዊ ድሕንነት ብዕቱብ ከምዝሰርሕ እውን ኣይተ ደመቀ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.