Fana: At a Speed of Life!

ንበዓል ዕዳጋ ሕፅረት ፍርያት ከይህሉ ብምውዳድ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንበዓላት ልደትን ጥምቀትን ኣድለይቲ ዝኾኑ ቀረባት ፍርያት ሕፅረት ከየጋጥም ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ እነተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ፡፡

እቶም በዓላት ኣብ ግምት ዘእተወ መበገሲ ትልሚ ተሰናዲኡ÷ ምርግጋእ ናህሪ ዋጋን ዘይሕጋዊ ንግዲ ንምክልኻል ግብረ ሓይሊ፤ ንሚኒስቴር ሕርሻ፣ ኮሚሽን ሕብረት ስራሕ ማሕበራት፣ ቢሮ ንግዲ፣ ትካላት ልምዓት መንግስቲን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ከምዝተለኣኸን ምኽክር ከምዝተገበረ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን መሪሕ ፈፃሚ ስራሕ ንግዲ ውሽጢ ሃገርን ሓለዋ ዓደግቲን መስከረም ባህሩ ከምዝበሉዎ÷ ክልላት ዘይተኸፋፈለ 9 ነጥቢ 8 ሚሊየን ሊትሮ ዘይቲ ወሲደን ንኸከፋፍላ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዝተዛዘመ መንፈቕ ዓመት ብፍራንኮ ቫሉታ ኣቢሉ 8 ነጥቢ 6 ሚሊየን ሊትሮ ከምኡ እውን 3 ነጥቢ 2 ሚሊየን ኩንታል ሽኮር ናብ ውሽጢ ሃገር ከምዝኣተወ ኣብሪሆም፡፡

ሕሩጭ እውን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ስግኣት እናቐረበ ከምዝኾነ ኣረጋጊፅና ኢና ኢሎም፡፡

ኣፍረይቲን ዓደግቲን ኣብ ምርኻብ ድማ 856 ዕዳጋታት ቀዳምን ሰንበትብ ከምዘለዉ ብምሕባር፤ ከከም ኩነታት እቶም ከባቢታት ተወሳኺ ምትእስሳር ዕዳጋ መፍጠሪ ኣማራፂታት ከምዝህልዉ ኣመልኪቶም፡፡

ብዮሓንስ ደርበው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.