Fana: At a Speed of Life!

ንኣተሓሕዛ ሓመድን ማይን ኣሰራርሓና ትኹረት ሂብና ምስራሕ የድሊ – ቀዳማይ ሚነሲትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከም ሃገር ንኣተሓሕዛ ሓመድን ማይን ኣሰራርሓና ትኹረት ሂብና ምስራሕ የድሊ ክብሉ ቀዳማይ ሚነሲትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚነሲትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ጥምረት ማይን ሓመድን ንፍርያታውነት ሕርሻ ወሳኒ ከምዝኾነ ዝገለፁ እንትኾኑ፥ ከም ሃገር ንኣተሓሕዛ ሓመድን ማይን ትኹረት ሂብካ ምስራሕ ከምዘድሊ ገሊፆም።

ፃዕሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፍርያታውነት ሕርሻን ውሕስና ምግቢን ንምርግጋፅ ድማ ብዙሓት ሕውስዋስ ፀገማት ንምፍታሕ ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ቀንዲ ዕላማ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምንካይ ምሽርሻር ሓመድ፣ ምምሕያሽ ፍርያታውነት ሕርሻ፣ ምክልኻል በረኻነትን መዘዙን ከምኡ ግድባት ብደለል ካብ ምምላእ ምድሓን ከምዝኾ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ተዛሪቦም ምንባሮም ይዝከር፡፡

ስለዝኾነ ድማ ምንቅስቓስ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ምጉሕጓሕ ሓመድ ብዕዉት ኩነታት ንምትራፍ ከምዘተኸኣለ ኣልዒሎም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ብዝተሓባበረ ቅልፅም ንኢትዮጵያ ናይ ምልባስ ስራሕ ቅቕፅል ኢዩ ምባሎም እውን ዝዝከር ኢዩ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.