Fana: At a Speed of Life!

ንካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያውያን ዝቐረበ ፃውዒት ስዒቡ ብሚኒስቴር ቱሪዝም ዝምራሕ ዓብዪ ኮሚቴ ናብ ስራሕ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያውን ናብ ሃገሮም ክመፅኡ ዘቕረቡዎ ፃውዒት ስዒቡ ብሚኒስቴር ቱሪዝም ዝምራሕ ዓብዪ ኮሚቴ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ “ዕላማ እቲ መርሃ ግብሪ ቅብብል ትውልዲ ንኽህሉም ካብ ሕዚ ጀሚሩ መበቆሎምን መበቆል ወለዶምን ዝኾነት ሃገር ንኽፈልጡ ምግባር ኢዩ” ኢለን።

ነቲ ፃውዒት ተቐቢሎም እንትመፅኡ ታሪኾምን ባህሎምን ዝፈልጡ እንትኾኑ÷ ንሳቶም ድማ ንሃገሮም ብዘለዎም ዓቕሚ ንኽጥቀሙ ዘኽል ከምዝኾነ እተን ሚኒስትር ኣብሪሀን።

ብመሰረት እዚ ዝፈለጡዋ ሃገሮም ብምፍላጥ ንዓውዲ ቱሪዝም ክድግፉን ኣምባሳደር ሃገሮም ክኾኑን ከምዘኽእሎም እውን ገሊፀን።

ብዘመን በየነ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.