Fana: At a Speed of Life!

ንግልጋሎት ሕማም ሽኮርያ ዝውዕል መድሓኒት እናተኸፋፈለ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ንግልጋሎት ሕማም ሽኮርያ ዝውዕል እኹል መጠን ዘለዎ መድሓኒት እናተኸፋፈለ ምዃኑ ተገሊፁ።

ኤጀንሲ ቀረብ መድሓኒት ኢትዮጵያ፥ ንተሓከምቲ ሕማም ሽኮሪያ ዝኾኑ መድሓኒታት ካብ ወርሒ ለካቲት 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ብመንፅር ዘሎ ጠለብ እኹል ዝኾነ መድሓኒት ምክፍፋል ምጅማሩ በዓልቲ ሞያ ምክፍፋል ወይዘሪት ምሕረት ጌታሁን ኣፍሊጠን ኣለዋ።

እቶም መድሓኒታት፥ ኢንሱሊን ሶብልን ኢንሱሊን ኣይሶፌን ባይዜክ ሚክስቸርን ኢዮም።

ንብርኪ 1 ን 2 ተሓከምቲ ሕማም ሽኮሪያ ከምኡ እውን ምስ ሕማም ሽኮሪያ ተተሓሒዞም ክለዓሉ ዝኽሉ ካልኦት ሕማማት ዝውዕሉ መድሓኒታት ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሀን።

እቲ ዝርገሐ መድሓኒት ብኩለን ጨንፈራት ኣቢሉ ናብ ትካላት ጥዕና እናተኸፋፈለ እንትኸውን፥ ብር 12 ሚሊየን 72 ሺሕን ወፃኢ ከምዝተገበረሉ ተገሊፁ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ንተሓከምቲ ሕማም ሽኮሪያ ዝኸውን እኹ መድሓኒት ከምዘሎን እናተኸፋፈለ ስለዝርከብን ሕብረተሰብ ሕፅረት ኣሎ ኢሉ ክጨናነቕ ከምዘይግባእ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.