Fana: At a Speed of Life!

ን47 ትካላት ጨንፈር መቐለ መድሓኒትን እትዎታት ሕክምናን ተዓዲሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኤጀንሲ ኣቕራቢ መድሓኒት ኢትዮጵያ ን47 ትካላት ጨንፈር መቐለ መድሓኒትን እትዎታት ሕክምናን ከምዝዓደለ ኣፍሊጡ።

እቲ መድሓኒት ኣብ መቐለ ንዝርከባ 4 ሆስፒታላትን  ጣቢያታት ጥዕናን፣ ውቅሮ፣ ሀውዜን፣ ዓዲግራት፣ አክሱም ቅድስተ ማርያም፣ ኮረም፣ መኾኒን ካልኦት ሆስፒታላትን ከምዝተኸፋፈለ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ እቶም እታዎታት ሕክምና ኣብ ሑመራ፣ አላማጣን ካልኦት ትካላት ጥዕናን ይከፋፈል ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ጨንፈር መቐለ ካብ ዝርከቡ መድሓኒታትን እታዎታት ጥዕናን ንጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን፣ ስኳርን ድፍኢት ደምን፣ ዓሶ፣  ሳምባን ኤች አይቪ ኤድስን ንምሕካም ዘገልግሉ ኢዮም ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.