Fana: At a Speed of Life!

ኢምፓክ ኮርፖሬሽን ጃፓን ካብ ኢትዮጵያ ዘእትዎ ዕምበባ ፅገሬዳ ብሓሙሽተ ዕፅፊ ክብ ከብሎ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢምፓክ ኮርፖሬሽን ጃፓን ካብ ኢትዮጵያ ዘእትዎ ዕምበባ ፅገሬዳ ብሓሙሽተ ዕፅፊ ክብ ከብሎ ኢዩ።

ኣምባሳደር ኢትትዮጵያ ኣብ ጃፓን ተፈራ ደርበው፥ ምስ ኣቦ መንበርን ፕሬዚዳንትን ኢምፓክ ኮርፖሬሽንን ሄኪሮ ሞሪሽጌ ተዛቲዮም።

ሄኪሮ ሞሪሽጌ፥ ኢምፓክ ኮርፖሬሽን ኣብዚ ሐዚ እዋን ምስ ዕንበባ ፅገሬዳ ኢትዮጵያ  ዝተኽሉን ዝልእኹን በቢዓመቱ 2 ሚሊየን ዘንጊ ዕንበባ ናብ ውሽጢ ዓዲ ይኣትው ኣሎ ኢሎም።

ብተወሳኺ እቲ ኮርፖሬሽን ድሕሪ ሒደት ዓመታት ናብ ውሽጢ ዓዲ ዘእትዎ ዓመታዊ መጠን ዕምበባ ፅገሬዳ ብሓሙሽተ ዕፅፊ ንምውሳኽ ትልሚ ሒዙ ኣሎ።

ኣምባሳደር ተፈራ ብግደኦም፥ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ቶኪዮ ዝገብሮ ቀጥታ በረራ ምጅማሩ ስዒቡ   ኢምፓክ ኮርፖሬሽን ዕምበባ ፅጌረዳ ንምንጋድ ዝገበሮ ውሳነ ንኢዶም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.