Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ከባቢ ደበን ዘጋጠመ ምስሕሓብ ብዘተ ንክፈትሓ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን ኢጋደን ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ከባቢ ደበን ዘጋጠመ ምስሕሓብ ብዘተ ንክፈትሓ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን ኢጋደን ሓቲቶም።

ኣቦ መንበር እኢ ኮሚሽን ሙሳ ፋቂ ማሃማት፥ክልቲአን ሃገራት ካብ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ንክቑጠባ ሓቲቶም።

ዘጋጠመን ዘይምርድዳእ ኣብ ምፍታሕ ዘተ ንከቐድማ ሓቲቶም።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝረአ ዘሎ ምስሕሓብ ዶብ ብመሰረት መትከል ዶብ ሕብረት ኣፍሪካ ንምፍታሕ ዝገብርኡ ፃዕሪ ኣጠናኺረን ንክቕፀላ ኣተሓሳሲቦም።

ብተመሳሳሊ ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ፥ እቲ ምስሕሓብ ምግዳዲ ንኢጋድ ከምዘተሓሳስቦ ገሊፆም።

ኣብቲ ጉዳይ ዘላቒ መፍትሒ ንምምፃእ እተን ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ መገዲታት ንክኽተላ ሓቲቶም።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ “ኣተሓሕዛ ምሩኻት ብዘይተኸተለ መገዲ ወታደራተይ ቀቲሉ” ብዝብል ጦር ሱዳን ዘናፍሶ ሓበሬታ መሰረት ዘይብሉ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ምክልኻል ፌዴሪኢምግላፁ ይዝከር።

ኣብ ቀረባ እዋን ወታደራዊ ሓይሊ ሱዳን ምስ ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ሰራዊቱን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝኸድዑ ኣመራርሓን ኣባላትን ተዋዲዶም ዶብ ኢትዮጵያ ጥሒሶም ብምእታው ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝነብር ሚሊሻን ነባሪን መጥቃዕቲ ከምዝፈፀሙ ተገሊፁ ኢዩ።

ይኹን እምበር ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዘይነበረሉ ኩነታ “ምሩኻት ቀቲሉ” ብዝብል ብወገን ሱዳን ክሲ ምቕራቡ ፍፁም ተቐባልነት ከምዘይብሉ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ከባቢ ዘይነበረ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ምሩኻት እንተዝሕዝ እኳ መለለዪ ባህሪኡ ብዝኾኑ ኣኽባራይነት ሕጊን ህዝባውነትን መሰረት ብምግባር ክሕዞም ይኽእል ከምዝነበረ ኣረጋጊፆም።

ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ መንግስቲ ስጉምቲ ንኽወስድ እንትእዝዞ፥ ከም ሽፍታ ዘይኮነስ ከምስሩዕን ዘበናዊ ጦር ብጥብቂ ናይ እዚ ሰንሰለት እናተመርሐ ዝንቀሳቐስ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ንዘላቒ ሰላም እንትበሃል ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ጉዳይ ንምፅራይን ንምምርማርን ዝደሊ ኣካል እንተሃሊዩ ንምትሕብባር ከምኡ እውን ካብ ክልቲአን ሃገራት ዝተውፃእፀአ ኮሚቴ ምክልኻል ንኽሪኦ እንተድልዩ እውን ሓቢሩ ንምስራሕ ድሉው ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.