Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ብራዚልን ዘለወን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንምሽጋር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ብራዚልን ዘለወን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንምሽጋር ተስማዕሚዐን።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፀእን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ብራዚል ማውሮ ቪዬራ ዘቲዮም።

እቲ ዘተ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝሓሸ ብርኪ ክብ ንምባል ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣይተ ደመቀ፥ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ብራዚልን ዘሎ ርክብ ዝጠናኸረሉ እዋን ሐዚ ኢዩ ኢሎም።

ብራዚል ዳግም ኤምባሲኣ ምክፋታ እቲ ዝነበረ ርክብ ብዝበለፀ ንምምዕባል ዝሕግዝ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ኢንቨስትመንት፣ ኣቪዬሽን፣ ቱሪዝም፣ ግብርና፣ ዓውዲ ምፍራይ፣ ሓለዋ ከባቢን ማዕድንን ምስ ብራዚል ብምትሕብባር ንመስራሕ ዘለዋ ባህጊ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.