Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ቻይናን ንሓገዝ ህፁፅ ምግቢ ዝውዕል ስምምዕነት 161 ሚሊየን ብር ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2015(ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ቻይናን ንሓገዝ ህፁፅ ምግቢ ዝውዕል ስምምዕነት 161 ሚሊየን ብር ተፈራሪመን።

እቲ ስምምዕነት÷ ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ወይዘሮ ሰመሪታ ሰዋስውን ኣብ ኤምባ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ኣማኻሪ ንግዲን ኢኮኖሚን ንግ ዪሃንግ ከቲሞምዎ።

እቲ ሓገዝ ፋይናንስ ኣብ ኢትዮጵያ ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ንምግባር ዝውዕል እንትኸውን÷ ኣብታ ሃገር ብጎንፂን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ጉድኣት ዘጋጠሞም ክፋላት ሕብረተሰብ ተረባሕቲ ከምዝገብር ተገሊፁ፡፡

ኣብ እዋን እቲ ስምምዕነት ኣብ ዝተኻየደ ዘተ÷ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝካየድ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ሰብ ሃፍቲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንምግባር ድሌት ከምዘለዎም ተሓቢሩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ቻይና ንኢትዮጵያ ኣብ ፕሮጀክት ቀሊል ባቡር ትህቦ ሓገዝ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ምሕባሩ ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.