Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ኣብ ወታደራዊ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ዝፀንሐ ታሪኻዊ ርክበን ብምጥንኻር ኣብ ወታደራዊ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን።

ዳይሬክተር ትምህርቲን ልምዓትን ሰራዊት ምክልኻል ደቡብ ኣፍሪካ ምስ ሓላፊ ዋና መምርሒ ትምህርቲን ስልጠናን ምክልኻል ፌዴሪኢ ሌተናል ጄኔራል ይመር መኮነን ኣብ ወታደራዊ ትምህርቲን ስልጠናን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም።

ክልቲአን ሃገራት ሰራዊተን ንምዝማን ኣብ ዝገብረኦ ፃዕሪ ልምዲን ተሞክሮአንን ንኽለዋወጣ ምቹው ኩነታ ዝፈጥር ስምምዕነት ከምዝተገበራ ሌተናል ጀኔራል ይመር መኮንን ገሊፆም።

ዳይሬክተር ትምህርቲን ልምዓትን ሰራዊት ምክልኻል ደቡብ ኣፍሪካ ብርጋዲየር ጀኔራል ዞዲ ሰዋ ብግደአን÷ ኢትዮጵያ ንናፅነት ደቡብ ብፍሪካ ዘበርከተቶ ኣስተዋፅኦ ዕዙዝ ከምዝነበረ ኣዘኻኺረን።

ንህንፀት ዘመናዊ ሰራዊት ብሓባር ንምስራሕ ዝተበፅሑ ስምምዓት ንሰራዊት ክልቲአን ሃገራት ዘበርክቶ ኣስተዋፅኦ ክብ ዝበለ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ብፍላይ ደቡብ ኣፍሪካ ካብ ኢትዮጵያ ዓወታት ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ዘበናዊነት ሓይሊ ኣየራን ልምዲን ተሞክሮ ክትወስድ ከምትደሊ ብርጋዲየር ጀኔራል ዞዲ ምግላፀን ካብ ፌስቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.