Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ፈረንሳይን 2 ስምምዓት ሓገዝ ፋይናንስ ከቲመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ ) ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ክልተ ስምምዓት ሓገዝ ፋይናንስ ተፈራሪመን።

እቲ ፈላማይ ስምምዕነት ሓገዝ ፋይናንስ÷ ስምምዕነት 32 ሚሊየን ዩሮ እንትኸውን÷ ብጎንፂ ዝተጎድኡ ክልላት ትግራይ ኣምሓራ፣ ዓፋር፣ ኦሮሚያን ደቡብ መፍረያይነት ሕርሻ ብምምሕያሽ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ዝውዕል ስምምዕነት ሓገዝ ኢዩ።

እቲ ካልኣይ ስምምዕነት ድማ 10 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ፋይናስ ኮይኑ÷ ካብ ሞንጎ እዚ 6 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ሓዱሽ ፋይናንስ፣ 4 ሚሊየን ዩሮ ቅድሚ ሕዚ ንመፈፀሚ ፕሮጀክት መተሓላለፊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝተውሃበ ልቓሕ ንምንዋሕ ዝተውሃበ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት÷ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 31 ዲሴምበር 2014 ኣብ ዘሎ እዋን ብጎንፂ ዝተጎድኡ ከባቢታት ፕሮጀክት መተሓላለፊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍፃም ዘኽእል ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.