Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ኣብ ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ ግድብ ህዳሰ ዘድሃበ ዘተ ኣብ ካርቱም የካይዳ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ኣብ ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ ግድብ ህዳሰ ዘድሃበ ናይ መወዳእታ ረቂቕ ስምምዕነት ንምድላው ዝዓለመ ዘተ ኣብ ካርቱም የካይዳ ኣለዋ።

እተን ሃገራት ዘካይድኡ ዘለዋ ዘተ ትማሊ ኢዩ ጀሚሩ።

ሰብ ሞያታት ቴክኒክን ሕጊን ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን እናተሳተፉሉ ዝርከቡ እቲ ዘተ፥ ኣብ ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ ግድብ ህዳሰ ናይ መወዳእታ ረቂቕ ስምምዕነት ከዳልዉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣብቲ ዘተ ተወከልቲ ኣሜሪካን ባንኪ ዓለምን ብተዓዛቢነትይሳተፉ ምህላዎም ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዋሸንግተን ዲሲ ኣብ ዝተገበረ ሰለስቲኣዊ ዘተ፥ ሰብሞያታት ሕጊ እተን ሃገራት ዝተወከሉሉ ጉጅለ ኣብ ማዕቐፍ ሕጊ ኣድሂቡ ናይ ሓባር ዘተ ንኽገብር ምስምዕመዐን ስዒቡ ኢዩ እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ካርቱም ዝሳለጥ ዘሎ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.