Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ንምትግባር ዘርአየቶ ፃዕሪ ኣብ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ውሕመ ናእዳ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ )ኢትዮጵያ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ንምትግባር እናወሰደቶም ዝርከቡ ስጉምቲታት ኣብ ጄኔብ ፍሉያት ልኡኻት ሕብረት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንኢዶም።

መንግስቲ ኢትዮጵን ህወሓትን ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ዝበፅሑዎ ስምምዕነት ንምኽባር ዘለዎም ቆራፅነት እውን ኣድኒቖም፡፡

ነቲ ስምምዕነት ስዒቡ ጎንፂ ኣጋጢሙሎም ኣብ ዝነበሩ ከባቢታት መሰረታዊ ቀረባት እንተይተዓናቐፉ ንኽቐርቡ ካብ ክልቲኦም ወገናት እወንታዊ ምላሽ ከምዝተርኣዩ ተመልኪቱ፡፡

ሕብረት ኣውሮፓ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ስርዓት ፍትሒ ስግግር ንምትግባር ዘርአየቶ ቆራፅነት ዝነኣደ እንትኸውን፥ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ዘተኣማምን ናይ ስግግር ፍትሒን ተሓታትነትን ወሰንቲ ከይዲታት ከምዝኾኑ ገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምትግባር ስርዓት ፍትሒ ስግግር ካብ ሕብረት ኣውሮፓ ሓገዝ ዘድልዮ እንተኾይኑ፥ እቲ ሕብት ተሞክርኡ ንምክፋል ድሉው ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ውሕመ ኣምባሳደር ሚሼል ቴይለር ብግደኦም፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሕመ ንዝተቐመጡ ዓለም ለኸ ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባር እናርአዮ ዝርከብ ቆራፅነት ንኢዶም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.