Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ብዙሓት ፈተናታት የጋጥሙዋ እምበር ዓወታት ኣመዝጊባ ኢያ – ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ 2015 ዓ.ም ካብ ውሽጢን ደገን ብዙሓት ፈተናታት የጋጥሙዋ እምበር ኣብ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ዓውዲ ብዙሓት ዓወታት ኣመዝጊባ ኢያ ክብሉ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ዓመታዊ ናይ ሓባር መድረኽ ሚዲያን ኮሙዩኒኬሽንን ፌዴራልን ክልላትን ኣብ ከተማ ኣዳማ ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ካብ 5 በዓል ዓብዪ ኢኮኖሚ ሃገራት ኣፍሪካ ሓደ ከምዝበፅሐ ኣብሪሆም፡፡

ኣብታ ሃገር ዝተመዘገቡ ኩለመዳይ ዓወታት ኩሎም ጥንኩር ሓገዝ ስራሕቲ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ከምዝነበሮም ብምፅራሕ÷ እቶም ዓወታት ግን ብዙሓት ፈተናታት ከምዝነበሩዎም ኣልዒሎም፡፡

“ብፍላይ ፅንፈኝነትንና ኣክራሪነትን ከም ሃገር እናፈተኑና ነይሮም” ምባሎም ካብ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ብፍላይ ብትኽክለኛ ሓበሬታ ካብ ምምርኳስ ብሕሶት ሓበሬታ ካብ ዝፍነዉ ቤላቤሎታ ሓደ ከባቢ ምስ ካሊእ ንምግጫው እናተፈፀሙ ዝነበሩ ወፍሪታት ማሕበራዊ ሚዲያ ዓብዪ ፈተና ከምዝነበሩ ኣብሪሆም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብዛ ሃገር እናዓሰለ ዝርከብ ኣንፃራዊ ሰላም ብምጥቃም ኣብ ዘፈር ሕርሻ ልምዓት መስኖ ስርናይ ሓጋይ፣ ትሩፋት ሌማት፣ ሓምለዋይ ኣሰር፣ መዓድንን ዓውዲታት ቱሪዝምን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ኣብ ቀፃሊ 2ይ ትልሚ ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ተግባራዊ ዝግበረሉ እዋን ብምዃኑ ኩሎም ኣካላት ተናቢቦም ንኽሰርሑ ኣተሓሳሲቦም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.