Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ትውልዲታት ኣብ ከይዲ ዘበናት ብዘኹርዕ ተጋድሎኦም ዘፅንዕዋ ቤትና ኢያ-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ትውልዲታት ኣብ ከይዲ ዘበናት ብዘኹርዕ ተጋድሎኦም ዘፅንዕዋ ቤትና ኢያ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

እቲ ቤት ዕዮ ሎሚ ዝኽበር ዘሎ መዓልቲ መስዋእትነት ምኽኒያት ብመግባር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ኣብ መልእኽቱ፥ እዛ ናይ ሓባር ቤትና ሎሚ ክንርከባ ዝኸኣልና ጀጋኑ ሃገርና ብዝኸፈልዎ ዘኹርዕ ተጋድሎ መስዋእትነት ኢዩ ኢሉ።

2 ጳጉሜን እንትነኽብር፥ ካብ ትማሊ ክሳብ ሎሚ ሓድነትን ሉእላውነትን ኢትዮጵያ ነምኽባርን ንምፅናዕን ዝተኸፈለ መስዋእትነት ብምሕሳብ ኢዩ ኢሉ።

ንሃገርና ኢትዮጵያ በቢዘበኑ ንኽብራን ሉእላውነታን ዝተኸፈለላ መስዋእትነት ዘበን ተሻጋሪ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ንክነማዕብል ገይሩ ኢዩ፤ ህብረ ብሄራዊ ሓድነታ ንክተኽብር እውን መሰረት ኣንቢሩ ኢዩ ክብል ገሊፁ።

ንሃገር ሓድነት፣ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ንቅኑዕ ፌደራሊዝምን ዝተኸፈሉ መስዋእቲታት ሎሚ ብዙሕ ፍረታት ከምዘፍረዩ ኣብሪሁ።

ሎሚ ንምርግጋፅ ሰላም፣ ንምቕፃል ሓድነት ሃገር ከምኡውን ኩለ መዳይ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ በቢዓውዱ መስዋእትነት ይኽፈል ከምዘሎ ገሊፁ።

ብፍላይ ዋልታ ሃገር ዝኾነ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ናይ መወዳእታ ድፋዕ ሃገርና ብምዃን ብመስዋእትነት ሃገራዊ ሓድነት የፅንዕ ኣሎ ኢሉ።

ፖሊስ ፌዴራልን ክልልን፣ ሓይሊታት ፀፅታን ድሕንነትን ኩሎም ኢትዮጵያ ንምፅናዕ በቢዕለቱ መስዋእትነት ይኸፍሉላ ከምዘለዉ ኣረዲኡ እቲ ቤት ዕዮ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ።

ስለዝኾነ እዚ ዕለት እንትነኽብር ጀጋኑ ዝኸፈልዎ መስዋእቲ ምኽባርን ምዝካርን ይግባእ ብምባል፥ ሃገር ካብ ዜጋታት ትፅቢት እትገብረሉ ኩሉ ንምብርካት ትፅቢት ዝግበረልና መስዋእትነት ንምኽፋል ምድላው ይግባእ ኢሉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.