Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ናይ ኣውሮፕላን ነዳዲ ንምምፍራይ ዘኽእላ ሓገዝ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዘላቕነት ዘለዎ ኣማራፂ ናይ ኣውሮፕላን ነዳዲ ንምምፍራይ ዘኽእላ ሓገዝ ረኺባ።

እቲ ሓገዝ ዝተኸበ ኣብ ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል አቪዬሽን ካብ ስሩዕ ነዳዲ ናብ ተፈጥሮ ተኮር ነዳዲ ብዘላቕነትት ንምስጋርን ምልቃቕ በከልቲ ጋዛት ኣቪዬሽን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 2050 ዝተፃረየ ዜሮ ንምግባርን ብዝተትሓዘ ትልሚ መሰረት ብምግባር ኢዩ፡፡

ነዚ ድማ ደረቕ ፍርያታት ተፈጥሮ እፅዋትን ካልኦት መሰል ኣናእሽቲ ብርኪ ብኽለት ዘለዎም እታወታት ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ ኢዮም ተባሂሉ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 20 ክሳብ 24 ሕዳር ኣብ ሕቡራት ኤምሬታት ዓረብ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ 3ይ ኮንፈረንስ ኣማራፂ ኣቪዬሺንን ነዳዲን እናተሳተፈት ትርከብ፡፡

ዘላቕነት ዘለዎ ልምዓት ነዳዲ ኣቪዬሽን ዝምልከቱ መፅናዕቲታት ንምግባር ዝሕግዝ ሓገዝ ፋይናንስ ንኢትዮጵያ ዝተገበረ ድማ ጎድና ጎድኒ እቲ ኮንፈረንስ ምስ መንግስቲ ፈረንሳይ ኣብ ዝተኻየደ ክልተኣዊ ልዝብ መሰረት ብምግባር ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጀስቲክስን ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቲ ሓገዝ ዕላዊ ኣብ ዝኾነሉ መርሃ ግብሪ÷ ሚኒስትር ዴኤታ ትራንስፖርትን ሎጀስቲክስን ኣይተ ደንጌ ቦሩ ከምኡ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ኣይተ ጌታቸው መንግስቴ ተረኺቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.