Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ምትግባር ሓሳባት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቆራፅ ኮይና ክትቅፅል ኢያ – ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒትር ፌዲሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመበል 75 ዓመት በዓል ምምስራት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝተሳለጠ ኮንፈረንስ ቪዲዮ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ ኢትዮጵያ መስራቲት ሃገር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከምዝኾነት ገሊፆም

ስለዝኾነ ድማ ኢትጵያ ኣብ ቻርተር እቲ ውድብ ዝተቐመጡ ደምቢታት፣ ሓበራዊ ድሕንነትን  መርህታት ብዙሕነትን ተግባራዊ ንምገባር ቁርፀኛ ኮይና ከምትቕፅል ኣፍሊጦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ደቂ ሰባት እናጋጠሙዎም ዝርከቡ ቅድሚ ሕዚ ተራኢዮም ዘይፈልጡ ማሕለኻታትን ስግኣታትን ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ድማ፥ ዝከኣላ ሓገዝ ንምግባር ክትሰርሕ ኢያ ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኢትዮጵያ ካብ ጥንቲ ጀሚራ ኣብ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ዝሰርሐቶም ስራሕቲ ሓበን ከምዝስመዓ ገሊፆም።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ናይ ለውጢ ዛዕባ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝኾነ ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ንምዕዋት ናይ ባዕላ ግደ ንምፅዋት ቆራፅ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም።

መስረትቲ እቲ ውድብ ቅድሚ 75 ዓመት ዝተበገሱሉ ቀንዲ ዕላማ ተተካኢ ወለዶ ካብ መርገም ኲናት ንምድሓንን ዝሐሸ ናብራ ክነብርን ንምግባር ዓቢዩ ራኢ ሰኒቖም ከምዝነበረ እውን ዶክተር ኣቢይ ዛአኻኺሮም።

እቲ ውድብ ከምዙይ ዓይነት ዓቢዪ ራኢ ብመሓዙ፥ ኣብ ዓለም ዘሕዝን ኲናት ከይፍጠር ካብ ምክልኻል ሓሊፉ ንደቂ ሰባት ኣድለይቲ ዝበሃሉ ሓገዛት እናገበረ ይርከብ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ትሕቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኮይኖም ሰላም ንምዕሳልን ንምርግጋፅን፣ ጎንፂታት ኣብ ምፍታሕን ኣብ ስራሕቲ መድሕን ህይወትን ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት ኩሎም ምስጋና ኣቕሪቦም።

ቀዳማይ ሚነስትር ኣቢይ ብተወሳኺ፥ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ስርዓት ጥዕና ዓለም ዕንቅፋት ብምዃን ንኢኮኖሚ ዓለም ጎዲኡዎ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

በዚ ምኽንያት ድማ ብዘላቒ ሽቶታት ልምዓት ክምዝገቡ ዝግበኦም ለውጢታት ብእዋኑ ከይመፅኡ ከምዝገበረ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ድማ እቲ ውድብ ሓደሽቲን ተራኢዮም ዘይፈልጡን ማሕለኻታት እናጋጠሙዎ ከምዝነበሩ ብምግላፅ፤ ንባዕሉ ምስ ዕላምኡ ንምጥዕዓም ምስ ሓደሽቲ ዓለምለኸ ሓቂታት ክላመድ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.