Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላም ንክረጋገፅ እትገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ-ኣይተ ደመቀ መኮነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላም ንክረጋገፅን ኣህጉራዊ ምትእስሳር ኢኮኖሚ ንክፍጠርን ዓሊማ እትገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮነን ተዛሪቦም።

መራሕቲ ኣፍሪካ ኣብ ሓደ መድረኽ ዝተኣከብሉ መድረኽ ዘተ፥  ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ዳቮስ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ፎረም ኢኮኖሚ ዓለም ተሳሊጡ።

እቲ መድረኽ”ህንፀት ሰላም ኣፍሪካ” ዝብል ርእሲ ዘለዎ እንትኸውን፥ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላም ንክረጋገፅን ኣህጉራዊ ምትእስሳር ኢኮኖሚ ንክፍጠርን ዓሊማ እትገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር  ኣይተ ደመቀ ኣረዲኦም።

ኣብ መንጎ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ሰላም ንክነግስን ዝተረጋገዐ ኢኮኖሚ ንክፍጠርን ዓሊማ ኢትዮጵያ ብዝገበረቶ ዝተጠናኸረ ፃዕሪ እወንታዊ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ እውን ሓቢሮም።

እዛ ሃገር ንዝጀመረቶ ጉዕዞ ለውጢ ዝፈታተኑ ኩነታት ንምሽጋርን ኣተኣማማኒ ሰላም ንምህናፅን ዘኽእል ፅኑዕ እምነት ከምዘለዋ ድማ ኣረጋጊፆም።

ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፉ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ብግደኦም፥ ዘላቒ ሰላምን ምትእስሳር ኢኮኖሚን እዛ ኣህጉር ንምጥንኻር ዝተትሓዘ ኣጀንዳ እዋናዊ ምላሽ ከምዘድሊዮ ገሊፆም።

ኣፍሪካ ምስ ካልኦት ኣህጉራት ክትውንኖ ዝግባኣ ምትእስሳር ኢኮኖሚ በቲ ዝድለ መልክዑ ዘይምጥንኻሩ ዝሓበሩ እቶም መራሕቲ፥ ኣብ ክሊ እቲ ፀገም ምርድዳእ ከምዝገበሩ ተሓቢሩ።

ኣብቲ መድረኽ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ቅርሕንቲ ብዘላቕነት ንምፍታሕን ኣብ ቀጠና ምብራቕ ኣፍሪካ ዝተረጋገዐ ሰላም ንምምፃእን ዝተገበረ ከይዲ ብእወንታዊ መገዲ ከምዝቐረበ ኣብ ቤት ፅሕፈት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረደእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.