Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ውሕመ ዘለዋ ተሳትፎ ምኽባር ሰላም ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ – ሜ/ጄ ኣዳምነህ መንግስቴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዘለዋ ተሳትፎ ምኽባር ሰላም ሕዚ ብዘለቶ ኣግባብ ክትቅፅል ንምግባር ውፅኢታዊ ስራሕቲ ተጠናሒሮም ክቕጥሉ ከምዝግባእ ኣዛዚ ማእኸል ምኽባር ሰላም ሰራዊት ምክልኻል ሜጀር ጄነራል ኣዳምነህ መንግስቴ ገሊፆም።

እቶም ኣዛዚ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ርሒ እቲ ማእኸል÷ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ዘለዋ ተሳትፎ ንኽትቅፅል ጥንኩራት ጎኒታት ምድንፋዕን ድኽመታት ምእራምን ይግባእ ኢሎም፡፡

ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ሁርሶ ኮንቲንጀንት÷ ንብረታት መንግስቲ ብምፅጋንን ናብ ስራሕ ብምምላስን ዝተሳለጡ ወፃኢ ዝቑጥቡ ኣሰራርሓታት ኣብ ካልኦት ክፍሊታት እውን ተጠናኺም ክቕፅሉ ኣለዎም ብምባል እውን ኣብነት እቲ ማእኸል ንኢዶም።

ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዝነበሩ ውፅታዊ ስራሕቲን ስልጠናታትን፣ ንዓለም ለኸ ሉኡኽ ምኽባር ሰላም ዝኸውን ሰራዊት ብብቕዓት ምድላውን ስራሕቲ ህንፀትን ከምኡ እውን ሓገዛት ምውፋርን ምድላው ሎጂስቲክስን፣ ምውፋር ወፍሪን ክትትል ሚሽንን፣ ምምሕዳራዊን ፋይናንሳዊን ስራሕቲ፣ ከይዲ ኣፈፃፅማ ስራሕ ብጥንኩር ጎድኒ ተገምጊሙ።

ዓለም ለኸ ልኡኽ ምኽባር ሰላም ዝተዋፈረ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ዝሰርሖም ውፅኢታዊ ስራሕቲ ምኽባር ሰላም ክቕፅሉ ብምግባርን ተሰማዕነት ኢትዮጵያ ብዝሓሸ ብርኪ ምድንፋዕ ከምዝግባእ እቶም ኣዛዚ ምግላፆም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.