Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ዓመታዊ ኮንፈረንስ ሓበራዊ ስፔስ ተሳቲፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ሓበራዊ መድረኽ ኢምፕሮቬት ኣጠቓቕማን ዓቕሚን ስፔስ ቴክኖሎጂ ዘለዋ ቅዋም ገሊፃ።

ኣብ ረብሓ ስፔስ ቴክኖሎጂ ኣመልኪቱ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝተሰናድአ ኣኼባ መርበብ ሓበሬታ፥ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ትሰርሖ ዝተጠናኸረ ምንቅስቓስ ገለፃ ኣቕሪባ።

ሰብሰብ ሃፍቲ ኢምፕሮቬት፣ ሰብ ዋና ፈጠራ፣ ኩባኒያታትን ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣብ ዝዛተዩሉ ሓበራዊ ኮንፈረንስ ስፔስ፥ ዋና ዳይሬክተር ትካል ስፔስ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣይተ ኣብዲሳ ይልማ፣ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ እስራኤል ረታ ኣለሙ፣ ከምኡ እውን ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ተሳቲፎም።

እቲ መድረኽ፥ “ኮሙዩኒኬሽን ኣፍሪካ 2021፤ ሃገር ለኸ ዲጂታል አገልግሎታት ምቕራብ ምኽል” ብዝብል ርእሲ ኢዩ ተኻይዱ።

ኣብቲ ኮንፈረንስ ብመንፅር ዓቕሚ ሃገር ለኸ ኮሙዩኒኬሽን ኣፍሪካ ዘድሊዩዋ ቴክኖሎጂታት፣ ረብሓን ኣድላይነትን ሳትላይት ኮሙዩኒኬሽን፣ ረብሓ ኢኮኖሚ፣ ቅልጣፈ ኣተገባብርኡ፣ ብሓፈሻ ድማ ሳትላይት ኮሙዩኒኬሽ ዘርክቦም ብዙሓት መፍትሒታት ብምትኳር ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሃገራት ኣፍሪካን ዓለም ለኸኤጀንሲታትን ተዘቲዩ።

ዋና ዳይሬክተር ትካል ስፔስ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣይተ ኣብዲሳ ይልማ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበሉዎ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ጎቦ እንጦጦ ኦብዞርባቶሪ ስፔስ ሳይንስ ምጥያሻ፣ ትካል መፅናዕቲ ስፔስ ምምስራታ፣ ፖሊሲ ሳትላይትን ኢንፎርሜሽን ኮሙዩኒኬሽን ምውፃኣ፣ ክልተ ሳትላይታት ከምዘሕምበበት፣ ከምኡ እውን ነቲ ዓውዲ ዘድሊዩ መሰረተ ልምዓታት ንምምላእ ዝተጠናኸረ ምንቅስቓስ ምግባራ፤ ኣብ ዘፈር ስፔስ ሳይንስ ዝተዋፈሩ ኩባኒያታት ኣቓልቦ ካብ ዝሰሓባ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪካ ብቀዳምነት ንኽትረአ ገይሩዋ ኢዩ።

እቲ ትካል ኣብ ህዋ ሳይንስ መራሒ ብምኑ፥ ኣብ ምቅልጣፍ ልምዓት ሃገር፣ ዘፈር ሕርሻ፣ ትምህርቲን ጥዕናን ግልጋሎት ዝህብ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.