Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዝገጠሙዋ ፈተናታት ንምስጋር ኣባላት እቲ ሓዱሽ ካቢኔ ብልዑል ስምዒት ፍቕሪ ሃገር ክሰርሑ ይግባእ – ሙሁራን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ካብ ውሽጢን ወፃኢን ዝገጠሙዋ ፈተናታት ንምስጋር ኣባላት እቲ ሓዱሽ ካቢኔ ብልዑል ስምዒት ፍቕሪ ሃገር ክሰርሑ ከምዝግባእ ሙሁራን ኣገንዚቦም።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝነበሮም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲቪል ሰርቪስ ተመራማሪ ምምሕዳር ርክብ ህዝቢ ዶክተር መሓመድ ዓሊ፥ ሃገር ናይ ምግልጋል መምርሒ ዝተቐበሉ ሚኒስትራት ኢትዮጵያ ትርከበሉ እዋናዊ ኩነታት ዘገናዘበ ስራሕ ክሰርሑ ይግበኦም ኢሎም።

ካብ ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚ ይኹን ማሕበራዊ ማሕለኻታት ንምውፃእ ድማ ካብ ስርቂ ዝነፅሀን ካብ ብሄር ፅግዕተኛነት ዝተናገፈን ዝኾነ ስራሕ ክሰርሑ ኣለዎም ኢሎም።

መምህር ዩኒቨርሲቲ ወልቂጤ ዝኾኑ ኣየተ ሃይሉ ነጋ ብግደኦም፥ እቲ ሓዱሽ ካቢኔ ኣብ ዓለም ለኻዊ ዲፕሎማሲያዊ ፅዕንቶ ትኹት ሂቡ ክሰርሐሎም ካብ ዝግብኡ ስራሕቲ ሓደ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ኣማኻሪ ሰላምን ድሕንነትን ዶክተር መሳይ ሓጎስ፥ ብዝሃ ሓሳብ ዝተኣናገደሉ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ንዕቤት ባህሊ ዴሞክራሲ ይኹን ፀገማት ንምፍታሕ ርኡይ ግደ ከምዝዋፃእ ገሊፆም።

ብድምፂ ህዝቢ ዝተጣየሸ ሓዱሽ መንግስቲ ዝተሓረዩ ኣባላት ካቢኔ ካብ ህዝቢ ዝተውሃቦም ሓላፍነት ብግቡእ ብምውፃእ ሃገር ናብ ዝሐሸ ምዕራፍ ክሳገሩ ከምዝግበኦም ተዛሪቦም።

ብሃይለየሱስ መኮንን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.