Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ ቴሌኮም ራብዓይ ትውልዲ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ኣብ ምብራቕ ኢቲዮጵያ ኣጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ከተማታት ምብራቕ ኢቲዮጵያ ብልዑል ቅልጣፈ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ሞባይል ንምጥቃም ዘኸእል ራብዓይ ትውልዲ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ኣጀሚሩ።

ምጅማር እቲ ኣገልግሎት ኣብ ከተማታት ድሬዳዋ፣ ኣይሻን ጭሮን ተግባራዊ ከምዝኸውን ተገሊፁ፡፡

ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ሞባይል ተበፃሒ ንምግባር ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ስራሕቲ ምስፍሕፋሕ እናሳለጠ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

ኣብ ስነ-ስርዓት መጀመሪ ዝተረኸባ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ወይዘሪት ፍሬህይወት ታምሩ፥ ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ልዕሊ 330 ሺሕ ዓማዊል ተረባሕቲ ዝገብር ራብዓይ ትውልዲ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ዕላዊ ምግባሩ ገሊፀን።

እዚ ድማ ልዑል ቅልጣፈ ዘለዎ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ንምጥቃም ከምዝሕግዝ ከምዝኾ ተዛሪበን።

ብተሾመ ኃይሉ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.