Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ሪጅን ማእኸላይ ምብራቕ ኣገልግሎት ሞባይል 4ጂ ኤል ቲ ኣድቫንስ ኣጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ሪጅን ማእኸላይ ምብራቕ ከተማታት ሃረር፣ ኣወዳይና ሃረማያን ኣገልግሎት ሞባይል 4ጂ ኤል ቲ ኣድቫንስ ኣጀሚሩ።

ኢትዮ ቴሌኮም ዘጀመሮ ሞባይል ኢንተርኔት 4ጂ ኣድቫንስድ ኤል ቲ፥ ን67 ሺሕ ዓማዊል ተረባሕቲ ከምዝገብር ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ወይዘሪት ፍሬህይወት ታምሩ፥ እቲ ኣገልግሎት 4ጂ ሞባይል ኢንተርኔት ኣጀሚረንኦ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብቲ ሪጅን ዝነበረ ቅልጣፈ ኢንተርኔት ብ14 ዕፅፊ ከምዘመሓይሾ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማታት ምብራቕ ኢቲዮጵያ ብልዑል ቅልጣፈ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ሞባይል ንምጥቃም ዘኸእል ራብዓይ ትውልዲ ኣገልግሎት ምጅማሩ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.