Fana: At a Speed of Life!

ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብቐሊሉ ምስሓብ ዘኽእል ኣዋጅ ኢኮኖሚ ፍሉይ ዞባ ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብቐሊሉ ምስሓብ ዘኽእል ኣዋጅ ኢኮኖሚ ፍሉይ ዞባ ኣፅዲቑ።

እቲ ባይቶ ኣብ ዘሳለጦ መበል 21 ስሩዕ ኣኼብኡ፥ እቲ ኣዋጅ ዓውዲ ውልቀ ኣብ ዓውዲ ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ፣ ገብርና፣ ንግዲ፣ ኣገልግሎትን ኢንቨስትመንትን ንክሳተፍ ዘተባብዕ ከምዝኾነ ርእዩ።

ኣብ ዓለም ለኸ ሰንሰለት ንግዲ ዝህሉ ርክብ ምስፋሕን ዘላቒ ምዕባለ ምምፃእን ዝብል ዕላማ እቲ ኣዋጅ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ብምሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ተግባራዊ ዝተገበረ ዲዛይንን ትግበራን ስርዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ናብ ፍሉይ ሰርዓት ኢኮኖሚ ክብ ብምባል መሰረት ኢኮኖሚ ንምምዕባል ከምኡውን ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነት ዘማዕብል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ኣዋጅ ቁፅሪ 1 ሺሕን 322/2016 ብምዃን ብሙሉእ ድምፂ ፀዲቑ።

ብየሻምበል ምህረት

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.