Fana: At a Speed of Life!

ኢንዱስትሪታት ዘጋጥሙዎም ማሕለኻታት ንምፍታሕ ክስራሕ ኢዩ – አይተ መላኩ ኣለበል

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ዘጋጥሙዎም ማሕለኻታት ንምፍታሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ ከምዝስራሕ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ አይተ መላኩ ኣለበል ገሊፆመም፡፡

እቶም ሚኒስትር ከይዲ ምፍራይ ተሽከርከርቲ ሳፋሪ ዝርከበሉ ብርኪ ተዓዚቦም፡፡

ኣብ እዋን እቲ ዑደት÷ ምስ ምፍራይ ከይዲ ተተሓሒዙ መብዛሕተኦም ሜካኒካል ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ዝተረፉ እዋናት እቲ ፍርያት ፅሬትን ደረጃን ብዝሓለወ መልክዑ ምዝዛም ዘኽእል ስራሕ እናተሰርሐ ይርከብ ምባሎም እውን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ዘጋጥሙዎም ማሕለኻታት ንምፍታሕ ድማ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ ከምዝስራሕ እቶም ሚኒስትር ኣረጋጊፆም፡፡

ናይ ውሽጢ ሃገር ኣፍረይቲ ንምብርትታዕን ንፍርያት ውሽጢ ሃገር ቅድሚት ንመሃብን ብዝተቐመጠ ኣንፈት መሰረት÷ ኣብ ዓውዲ ኣውቶሞቲቭ ሳፋሪ ተሽከርከርቲ ንምፍራይ ትኹረት ተዋሂቡ እናተሰርሐ ይርከብ ተባሂሉ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.