Fana: At a Speed of Life!

ኢኮኖያዊ ምትሕብባር ክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ንምጥንኻር ዝዓለመ ኮንፈረንስ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢኮኖያዊ ምትሕብባር ክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ንምጥንኻር ዝዓለመ ኮንፈረንስ ኣብ ከተማ ሰመራ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ኮንፈረንስ ካብ ሰለስቲኦም ክልላት ዝተውፃእፅኡ ኣካላት ቤት ምኽሪ ማሕበራት ዓውዲ ንግዲ፣ ማሕበራት ነጋዶን ውልቀ ዓውድታትን ይሳተፉ ኣለዉ።

እቲ ኮንፈረንስ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ኣብ ክልላት ጎረባብቲ ከባቢታት ተፈጢሩ ዝነበረ ፀገም ምኽኒያት ዝተዘሓሓለ ምንቅስቓስ ንግዲ መሊስካ ንምንቕቓሕ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ናይ ውልቀ ሴክተር ንግዲ ምንቅስቓስ ንክኽእል ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ መርሃ ግብሪ፥ ሚኒስቴር ሰላም፣ ቤት ምኽሪ ማሕበራት ዓውዲ ንግዲ ዓፋርን ኣብቲ ዓውዲ ዝንቀሳቐሱ ግብረ ሰናይ ትካላትን ብምትሕብባር ዘሰናደእዎ ከምዝኾነ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.