Fana: At a Speed of Life!

ኣልሸባብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍፅሞ ዝነበረ ተግባር ግብረ ራዕዲ ምፍሻሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣልሸባብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍፅሞ ዝነበረ ተግባር ግብረ ራዕዲ ምፍሻሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ፌዴራልን ብሓባር ብዘሳለጥዎ ወፍሪ ኢዩ ፈሺሉ ተባሂሉ።

እቲ ዛዕባ ብዝምልከት ብሓባር ኣብ ዝተውሃበ መግለፂ፥ ገብረ ራዕዲ ሸኔ ሓዊሱ ተለኣኣኽቲ ህወሓት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተግባር ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም አነትንቀሳቐሱ ዝነበሩን ብግዕዝይናን ዘይሕጋዊ ተግባራትን ዝተዋፈሩ ልዕሊ 340 ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ከም|ዝወዓሉ ተገሊፁ።

እቶም ተጠርጠርቲ ምርመራ ይግበረሎም ከምዘሎ እቶም ሓለፍቲ ምርመራ ገበን ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ፌዴራልን ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም።

ብመሓመድ ዓሊ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.