Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓታት ንቅልጡፍ ዕቤት ከተማታት ተዋዲዱ ንኽሰርሕ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩሎም ኣመራርሓታት ከተማ ንቅልጡፍ ዕቤት ከተማታት ብቆራፅነት፣ ተኣማንነትን ብምውዳድን ክሰርሑ ከምዝግባእ ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ገሊፁ።

እቲ ሚኒስቴር፥ ምስ ኣመራርሓታት መንግስቲ ፌዴራል፣ መዳርግቲ ኣካላት፣ ከንቲባታ ከተማን ኣመራርሓታት ከተማታትን ኣብ ኣፈፃፀማ ትልሚ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም፤ ከምኡ እውን ኣብ ትልሚ ሴክተር ጉባኤ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ተዛቲዩ፡፡

ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝገለፀኦ፥ ዘበናዊን ሓደሽቲ ኣሰራርሓታትን ብቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ ብኩሎም ዓውዲታት ደረጅኡ ብዝሓለወ መልክዑ ምስላጥ ይግባእ፡፡

ኣብ 2014 ዓ.ም ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን ተወዳዳሪ ኮይኑ ክብ ንኽብል ንምግባር ስራሕቲ ክትትልን ሓገዝን ከምዝተሳለጠ ምግላፀን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.