Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ኣብ ሞንጎ ሃማስን እስራኤልን ምቁራፅ ተኹሲ ንኽግበር ዝቐረበ ፃውዒት ውድቂ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ኣብ ሞንጎ ሃማስን እስራኤልን ምቁራፅ ተኹሲ ንኽግበር ዝቐረበ ዓለም ለኸ ፃውዒት ከምዘይትቕበል ኣፍሊጣ።

ኣቐባሊ ቃል ብሄራዊ ድሕንነት ኣሜሪካ ጆን ኬርቢ፥ “ኣብ ሞንጎ ሃማስን እስራኤልን ምቁራፅ ተኹሲ ይገበር ንምባል ትኽለኛ ሰዓት ኣይኮነን” ኢሎም።

ምቁራፅ ተኹሲ ይገበር ካብ ምባል ናብ ጋዛ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽበፅሕ ኲናት ህድእ ክብል ምግባር ዝሐሸ ኣማራፂ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ጋዛ ንዝነብርሩ 2 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሰባት ዝግበር ሰብኣዊ ሓገዝ ኣዚዩ ትሑት ከምዝኾነ ይግለፅ።

እቶም ኣቀባሊ ቃል ተወሳኺ ናይ ሓገዝ መኻይን ብግብፂ ኣቢለን ከምዝኣትዋ እምነቶም ምዃኑ እውን ገሊፆም።

ዋሺንግተን መዓልታዊ ሰብኣዊ ሓገዝ ፅዒን ናብ ጋዛ ዝኣትዋ ተሽከርከርቲ ቁፅረን ናብ 100 ንኽዓቢ ምስ እስራኤል ምዝርራቦም ኣብሪሆም።

እስራኤል ብግደኣ “ሃማስ ክሳብ ዝጠፍእ ምቁራፅ ተኹሲ ዝበሃል ነገር የለን” ኣብ ዝብል ቅዋማ ከምዝፀንዐት ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ቤንያሚን ኔታንያሁ እውን “ምቁራፅ ተኹሲ ይገበር ምባል እስራኤል ንሃማስ ኢዳ ትሃብ ከም ምባል ኢዩ፤ ክኸውን ኣይኽእልን” ክብሉ ተሰሚዖም።

ኣብ ጎንፂ እስራኤል ሃማስ ክሳብ ሕዚ 8 ሺሕን 300 ፍልስጤማውያን ኣብ ጋዛ ንሕልፈት እንትቃልዑ 1 ሺሕን 400 እስራኤላውያን በቲ ኲናት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ሓበሬታታት የመላኽቱ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.