Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ኣብ ኢራን እትወስዶ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ዝውስን ሕጊ ኣፅዲቓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ኣመሪካ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ኲናት ንምልዓል ዘኽእሎም ስልጣን ክውሰን ዝገብር ውሳነ ኣሕሊፉ።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ሓደጋ ኣብ ዘንፀላለወሉ እዋን እንተዘይኮይኑ፥ ኣብ ልዕሊ ኢራን ስጉምቲ ከይወስዱ ዝኽልክል ውሳነ ኢዩ ተዋሂቡ ዘሎ።

ብተወሳኺ ኮንግረስ እንተዘይፈቒድሎም ኣብ ልዕሊ ኢራን ወታሃደራዊ ሓይልታት ኣሜሪካ ምጥቃም ጠጠው ከብሉ ዝእዝዝ እዩ ተባሂሉ።

እቲ ብኣብዝሓ ድምፂ ወከልቲ ህዝቢ ዝፀደቐ ውሳነ፥ ካብቲ ብሪፐብሊካን ዝዕብለል ሰኔት ተቓውሞ ከጋጥሞ ከምዝኽእል ይግለፅ።

እቲ ወፂኡ ዘሎ ሕጊ እቲ ኮንግረስ፥ ፕሬዚዳንት ኣመሪካ ሰራዊት ኣሜሪካ ናብ ኲናት ንምእዛዝ ዘለዎም ስልጣን ንምምርማር ዘኽእሎም ናይ 1973 ሕጊ መሰረት ዝገበረ እዩ።

ኣሜሪካ ንላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኢራን ኣብ ዒራቕ ድሕሪ ምቕታላ፥ ኢራን ኣብ ልዕሊ ኣብ ዒራቕ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣሜሪካ ደብዳብ ሮኬት ኣካይዳ እያ፤ እንተኾነ ዝተጎደአ ሰብ የለን።

እቲ ባይቶ ኣሕሊፍዎ ዘሎ ውሳነ፥ ክታም ናይቶም ፕሬዚዳንት ዘየድልዮ ስለዝኾነ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ነቲ ውሳነ ዕንቅፋት ከምዘይኾኑ ይግለፅ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.