Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ይበልጣል ምስ ኣምባሳደር ኖርዌይ ኣብ ሱዳን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ይበልጣል ኣእምሮ ምስ ኣምባሳደር ኖርዌይ ኣብ ሱዳን ቴሬዝ ሎክን ህዜል ተዛቲዮም።

እቶም ኣምባሳደር ምስ ቴሬዝ ሎክን ህዜል ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ከምኡ እውን ጉዳይ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ትኹረት ገይሮም።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኣብ ክልል ትግራይ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት፣ ጉዳይ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ከምኡ እውን ኣብቲ ዞባ ዝረኣዩ ጉዳያት ኣብ ዝምልከት በተ ኣምባሳደር ዝተልዓሉሎም ሕቶታት ዝርዝር መብርሂ ሂቦምወን፡፡

ብመሰረት እዚ ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ተተሓሒዞም ዝለዓሉ ዝተዛብዑ ርኢቶታት መንግስቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ኣብ ዝገብሮ ፃዕሪ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ዘሕድሩ ስለዝኾኑ ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ብሃፈሻ ንመላእ ኢትዮጵውያን ይሕለቕ ኢየ ዝብል ኣካል እንተሃሊዩ ፃዕሪ መንግስቲ ክሕግዝ ከምዝግባእ እቶም ኣምባሳደር ኣገንዚቦም፡፡

እቶም ኣምባሳደር ብተወሳኺ ኢትዮጵያን ሱዳን ፀገም ዶብ ዝፈትሑሎም መገዲታት ብግልፂ ብስምምዕነት ዝተቐመጠ ስለዝኾነ ነዙይ መሰረት ብምግባር ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካን ዘላቒ ሰላም ብዘምፅእ መልክዑ ምፍታሕ ከምዝግባእ ምግላፆም ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ  ሱዳን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.