Fana: At a Speed of Life!

ኣስራሕቲ ኮንፌዴሬሽን ኢንዱስትሪን ኣስራሕቲ ኮንፌዴሬሽን ኢትዮጵያን ተዋሂዶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮንፌዴሬሽን ኣስራሕቲ ኢንዱስትሪን ኮንፌዴሬሽን ኣስራሕቲ ኢትዮጵያን ብዕሊ ውህደት ፈፂሞም።

ክልቲኦም ኣብያተ ዕዮ፥ ኣስራሕቲ ፌዴሬሽናት ኮንፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ዝብል ስያመ ብምሓዝ ኢዮም ተዋሂዶም።

እቲ ውህደት ንምፍፃም ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝተፈላለዩ ፃዕሪታት ክግበር ናይ ዝፀንሐ ውፅኢት ኢዩ ተባሂሉ።

“ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም” መልእኽቲ ዘመሓላለፋ ሚኒስትር ማሕበነራዊ ጉዳይን ሰራሕተኛን  ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋዬ፥ እቶም ኣስራሕቲ ኣብያተ ዕዮ ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ንምህናፅን ብሄራዊ ረብሓ ብብርኪ ዓለም ንምሕላው ንምሕላውን እቲ ውህደት ግደ ከምዝህልዎ ተዛሪበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.