Fana: At a Speed of Life!

ኣስትራዜኒካ ክታበት ኮቪድ ምፍራይ ጠጠው ከምዘበለ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍርያት ክታበት ኮቪድ ኣስትራዜኒካ ኣብ ጥዕና ፅዕንቶ ምሕዳሩ ስዒቡ እቲ ኩባንያ ካብ ዕዳጋ ዓለም ከምዝወፅአ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ኩባንያ እዚ ዝወሰነ ኣማራፂ ክታበታት ኮቪድ ናብ ዕዳጋ ዓለም ብምምፀኦምን ክታበታ ኣስትራዜኒካ ፀገም ምርጋእ ደም ከምዘስዕቡ ምርግጋፁን ስዒቡ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ለበዳ ኮቪድ 19 ካብ ዘጋጥም ጀሚሩ ኣብ ዓለም ልዕሊ 3 ሚሊየን ክታበታት ከምዝሸጠ ዝገለፀ እንትኸውን÷ በዚ ድማ ልዕሊ 6 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሰባት ከድሕን ከምዝኸኣለ ኣፍሊጡ፡፡

ድሕሪ ምምፃእ እቲ ለበዳ ቫይረስ ብዙሓት ክታበታት ከምዝፈረዩ ዝገለፀ እቲ ኩባንያ÷ እቶም ክታበታት ናብ ዕዳጋ ምምፀኦም ጠለብ ዓማዊል ኣስትራዜኒካ ክንኪ ከምዝገበሮ ገሊፁ፡፡

ኣስትራዜኒካ ለቨዳ ቫይረስ ኮቪድ 19 ኣብ 2021 ድሕሪ ምግጣሙ ብውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍልጦ ብምርካብ ኣብ ሃገራት ኣውሮፓ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ክፋላት ዓለም እናተኸፋፈለ ፀኒሑ፡፡

ይኹን እምበር ክታበት ኣስትራዜኒካ ምርጋእ ደም የስዕብ ኢዩ ብዝብል ፍርያታት እቲ ኩባንያ ብዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮፓ ኣብ ረብሓ ከይውዕሉ ክልከላ ዝተገበረሎም እንትኾኑ÷ እቲ ኩባንያ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ኣብ ሃገራት ኣውሮፓ ፍቓድ ዕዳጋኡ ሰሪዙ፡፡

ምስ ጎድናዊ ጉድኣት ተተሓሒዙ ዝተፈላለዩ ክሲታት እናቐረቡዎ ዝፀንሐ እቲ ኩባንያ÷ ሕዚ ፍርያት ጠጠው ብምባል ካብ ዕዳጋ ዓለም ንምውፃእ ከምዝወሰነ ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.