Fana: At a Speed of Life!

ኣባላት ሰራዊት እዚ ምዕራብ ንሕብረተሰብ ብገንዘብን ጉልበትን እናደገፉ ከምዝኾኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ሰራዊት እዚ ምዕራብ ንሕብረተሰብ ብገንዘብን ጉልበትን እናደገፉ ከምዝኾኑ ክፍሊ ሚዲያን ርክብ ህዝቢን እቲ እዚ ኣፍሊጡ።

ኣባላት ሰራዊት እቲ እዚ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2015 ጥራሕ ኣብ 41 ሄክታር ዝርከብ ዝራእቲ ዓቕመ ደካማ ሓረስቶት ክእክቡ ከምዝኸኣሉ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሀበሬታ የረድእ።

እቶም ኣባላት ልዕሊ 600 ሺሕ ብር ገንዘብ ካብ መሃየኦም ብምውፃእ ንዝተፀገሙ ክፋላት ሕብረተሰብ ሓገዝ ምግባሮም ተሓቢሩ።

ምስ ሓገዝ ሕክምና ተተሓሒዙ ን73 ሰባት ምርመረ ጥዕናን ሓገዝ መድሓኒትን ከምዝገበሩ ተገሊፁ፡፡

ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣብ ቀወፍሪ ዝርከበሎም ከባቢታት ኩሎም ዓቕሙ ብዝፈቐዶ ካብ ዘለዎ እናካፈለ፣ ሕፅረት ማይ ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ንሕብረተሰብ ብቦጥ ማይ እናቕረበ ከምኡ እውን ዝራእቲ ብብምዕፃድን ብምካብን ህዝባዊነቱ ብተግባር እናረጋገፀ ከምዝርከብ እውን ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.