Fana: At a Speed of Life!

ኣባላት ጉጅለ ጁንታ ምስ ምህዳን ጎድኒ ንጎድኒ ክልል ትግራይ ናብ ስሩዕ ስርዓት ንምምላስ ዘኽእሉ ስራሕቲ ምስራሕ ይግባእ-ምሁራን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሕጊ ዝድለዩ ኣባላት ጉጅለ ጁንታ ምስ ምህዳን ጎድኒ ንጎድኒ ክልል ትግራይ ናብ ስሩዕ ስርዓት ንምምላስ ዘኽእሉ ስራሕቲ ምስራሕ ይግባእ ክብሉ ምሁራን ተዛሪቦም።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዘዘራረቦም ምሁራን፥ ኣብቲ ክልል በቲ ጁንታ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ምፅጋን፣ ሓይሊታት ፀፅታ ሪፎርም ምግባርን ተቖሪፆም ዝተረፉ ዕጡቓት ዕጥቆም ምፍታሕን ቀዳምነት ዝወሃቦ ስራሕ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

እቶም ምሁራን፥ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሩፍታ ዝረኽበሉ ሓደ ምዕራፍ ምጅማሩ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መቐለ ብምቁፅፃር ኣብሲሩ ኢዩ ኢሎም።

ሐዚ ዝተረኸበ ሩፍታ ቀፃልነት ንክህልዎ እውን መንግስቲ ናይ ምርግጋዕ ስራሕ ብዝግባእ ክፍፅም ከምዘለዎ ሓቢሮም።

ህዝቢ ትግራይ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ኣባላት ፖሊስን ኢድን ጓንትን ብምዃን ክሰርሕ ከምዘለዎ እውን ኣፅንኦት ሂቦም።

ህዝቢ ንውሑዳት ውልቀ ሰባት ክብል ተወሳኺ ዋጋ ምኽፋል ከምዘይግበኦ ብምሕባር፥ ኣባላት ጉጅለ ጁንታ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ግቡኡ ክፃወት ኣለዎ ኢሎም።

በቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ዝተዓጠቑ ሓይሊታት ዕጥቆም ብምፍታሕ መሊስካ ንረብሓ ህዝቢ ንምውዓል ዘኽእል ማእኸል ተሃድሶ ብምጥያሽ ናብዚ ክኣትዉ ብምግባር ንህንፀት ሰላም ግደኦም ንክፃወቱ ምግባር ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም።

ሐዚ እውን እንተኾነ ኣባላት እቲ ጉጅለ ጁንታ ኢዶም ንምሃብ ዘኽእል እዋን ኣይረፈደን ዝበሉ እቶም ርኢቶ ወሃብቲ ምሁራን፥ እዚ ብምፍፃም ንትውልዲን ታሪክን ዝኸውን ትምህርቲ ሂቦም ክሓልፉ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ብበላይ ተስፋዬ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.