Fana: At a Speed of Life!

ኣብዚ ሰሙን ሱዳን 61 ኢትዮጵያውያን ወታደራት ሒዛ ሰዲዳ ብዝብል ዝናፈስ ወረ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኢዩ – ኣምባሳደር ዲና

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብዚ ሰሙን ሱዳን 61 ኢትዮጵያውያን ወታደራት ሒዛ ሰዲዳ ብዝብል ዝናፈስ ወረ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከምዝኾነ ኣምባሳደር ዲና ገሊፆም።

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፥ ኣብ ዋናዋና ሃገራዊ ጉዳያት ዘድሃበ ሰሙናዊ መግለፂ ሂቦም።

ጉዳይ ውጥጥ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣመልኪቶም ኣብ ዘሃቡዎ መብርሂ፥ ኢትዮጵያ ሰላማዊ መፍትሒ ቅድሚት ሂባ እናሰርሐት ከምዝኾነት ገሊፆም።

ኣምባሳደር ዲና ኣብ መግለፂኦም፥ “ኣብዚ ሰሙን ሱዳን 61 ኢትዮጵያውያን ወታደራት ሒዛ ሰዲዳ ብዝብል ዝናፈስ ወረ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ፍፁም ሓሶትን ኢዩ” ኢሎም።

ምስ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ድማ ሱዳንን ግብፂ ድርድር ግድብ ህዳሰ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ንኽወፅእ ዝገብሩዎ ፃዕሪ ብወገን ኢትዮጵያ ተቐባልነት ዘይብሉ ከምዝኾነ እቶም ኣምባሳደር ኣገንዚቦም።

ምስ ተተሓሒዙ ድማ ኢትዮጵያ ናብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ደብዳበ ከምዝፀሓፈት ተዛሪቦም።

ኣብቲ ሰለስተኣዊ ድርድር ግብፂን ሱዳንን እቲ ጉዳይ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ንኽወፅእ ፅዕንቶ እናገበራ ስለዝኾና፥ እቲ ቤት ምኽሪ ካብ ተግባረን ክዕቀባ ንኽገብር ኣብቲ ደብዳበ ተመልኪቱ ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ፥ ኣፍሪካዊ ፀገማት ብኣፍሪካውያን ክፍትሑ ይግባእ ዝብል ፅኑዕ ቅዋም ስለዘለዋ ሕብረት ኣፍሪካ ኣደራዳሪ ኮይኑ ንኽቕፅል እናሰርሐት ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም።

ክልቲአን ሃገራት ከይዲ እቲ ድርድር ካብ ማዕቐፍ ሕብረት ኣፍሪካ ንኽፅእ ዝገብረኦ ፃዕሪ ብወገን ኢትዮጵያ ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉ ከምዝኾነ ኣምባሳደር ዲና ኣብ መግለፂኦም ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.