Fana: At a Speed of Life!

ኣብዛ ሃገር ዘላቒ ሰላም ንምንጋስ ዝውሰድ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ተጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ-ቤት ፅሕፈት ቀዳማት ሚኒስቴር

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዛ ሃገር ዘላቒ ሰላም ንምንጋስ ዝውሰድ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ተጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ ክብል ቤት ፅሕፈት ቀዳማት ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

ፕሬስ ሴክሬታሪያት እቲ ቤት ፅሕፈት ቢልለኔ ስዩም ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዘብፀሖ ጨፍጫፍ ኣውጊዘን።

እቲ ግብረ ራዕዲ ኣብ ዝንቀሳቐሰሎም ዘሎ ከባቢታት እቲ ክልል ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ይካየድ ከምዘሎ ድማ ሓቢረን።

እቲ ጉጅለ ነቲ ስጉምቲ ምፅዋር እንትኣብዮ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዘሰቅቕ ቅንፀላ ከምዝፈፀመ ኣረዲአን።

ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ መነጎ ህዝብታት ኣምሓራን ኦሮሚያን ጎንፂ ሕድ ሕድ ንምፍጣር ኢሉ እውን ብብርኪ ሃገር ዘይምርግጋዕ ንምፍጣር ዓሊሙ ዝፈፀሞ ከመዝኾነ ገሊፀን።

ፖሊስ ፌዴራል ዝርዘር ኩነታት ተግባር እቲ ግብረ ራዕዲ ብዝምልከት ምርመራ የካይድ ከምዘሎ ተዛሪበን።

ብተወሳኺ ብምኽኒያት እቲ ዝተፈጠረ ስግኣት ፀፅታ ንፀገም ንዝተቓልዑ ዜጋታት ሓገዝ ይግበረሎም ኣሎ ኢለን።

ብድምር ኣብዛ ሃገር ዘላቒ ሰላም ንምንጋስ ዝውሰድ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ተጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ ኢለን።

መንግስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ጎንፂ ብሰለማዊ ኩነታት ንምፍታሕ ከምዝወሰነ ገሊፀን።

ኣብቲ ዘተ ሰላም ዝሳተፍ ኮሚቴ ከምዝተጣየሸ እወን ሓቢረን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.