Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሃገርና ዘንፀላለወ መጥቃዕቲ ንምምካት ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክንስለስ ኢና- ኣይተ ደስታ ሌዳሞ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሃገርና ዘንፀላለወ መጥቃዕቲ ንምምካት ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክንስለስ ኢና ከብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ገሊፆም።
እቶም ርእሰ ምምሕዳር ነዚ ዝበሉ፥ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ብዓወት ምዝዛሙ ስዒቡ ነበርቲ ከተማ ሃዋሳ ደገፎም ኣብ ኣደባባይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝገለፅሉ እዋን ኢዩ።
ገድብ ህዳሰ ንምትዕንቓፍ ፀላእቲ ብዙሕ እንተደኸሙ እውን ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ካብ ምፍፃም ደው ከብሉና ኣይከኣሉን ኢሎም።
ነቲ ግድብ ካብ ህዝቢ ዝተዋፅአ ገንዘብ ህወሓት ብምዝራፍ ሃገርና ናይ ምድኻም ስራሕ ይሰርሕ ከምዝነበረ ብምግላፅ፥ እዚን ካልኦት ሃገር ዘጥፍኡ ልኡኻቱን ኣጥቢቕና ንቃወም ኢሎም።
ንጁንታ ንቃወም ኢና፣ ኣብ ሃገርና ዘንፀላለወ መጥቃዕቲ ንምምካት ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክንስለስ ኢና ክብሉ እውን ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.