Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ህንዲ ቫይረስ ኒፓህ ምግጣሙ ስዒቡ ኣብያተ ትምህርቲ ንክዕፀዋ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ህንዲ ኒፓህ ብዝተብሃለ ቫይረስ ኣብ ግዝኣት ኬራላ ክልተ ሰባት ህይወቶም ምስኣኖም ስዒቡ ኣብያተ ትምህርቲ ንክዕፀዋን ማሕበራዊ መንቅስቓስ ንክግደብን ተገይሩ።

እቲ ቫይረስ ዝኾነ ይኹን ክታበት ከምዘይብሉ ተሓቢሩ።

ኣብ ክፍሊ ኣካላት ልዑል ሙቐት፣ ኣብ መተንፈሲ ኣካላት ድማ ኢንፌክሽን ብምፍጣር ሕብጠት ሓንጎል ብምስዓብ ንሞት ከምዘሳጥሕ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ምልባዕ እቲ ቫይረስ ንምግታእ ዓሊሙ እቲ ውሳነ ኣብታ ገዝኣት ከምዝተሓላለፈ ቲኣርቲ ፀብፂቡ።

ቫይረስ ኒፓህ ካብ 40 ክሳብ  75 ሚኢታዊት ሞት ከምዘስዕብ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

ካብ መንካዕን ሓሰማን ብምብጋስ ናብ ሰባት ከምዝመሓላለፍ ብምግላፅ፥ ካብ ሰብ ናብ ሰብ እወን ዝመሓላለፍ ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.