Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ሃማስ ዝውሰድ ስጉምቲ ኣዋርሕ ክፀንሕ ይኽእል ኢዩ- እስራኤል

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃማስ ንምድምሳስ ዝውሰድ ስጉምቲ ኣዋርሕ ክፀንሕ ይኽእል ኢዩ ክትብል እስራኤል ገሊፃ።

ሚኒስትር ምክልኻል ሰራዊት እስራኤል ዮአቭ ጋላንት፥ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ጀኒን ን60 ሰዓታት ፈፂማቶ ዝበሃል ደብዳብ 11 ፍልስጤማዊያን ህይወቶም ምስ ሓለፉ ልኡኻ ምዝዛማ ሓቢሮም።

ብኻሊእ መዳይ ወተሃደራዊ ሓይላ ቅድም ክብል ብዝተቖፃፀሮ ዌስት ባንክ ሎሚ ለይቲ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፥ ሐዚ እውን እስራኤል ንንፁሃን ከመይ ካብቲ መጥቃዕቲ ምድሓን ከምእትኽእል ጠመተ ምግባር ከምዘለዋ ኣተሓሳሲቦም።

ከም ፀብፃብ ኣልጀዚራ፥ ብሰንኪ እቲ ኲናት ሐዚ እውን ኣብ ጋዛ ናይ ርክብ መስመራት ተቛሪፁ ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.