Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝጠመተ ትራንስፖርት ተበፃሒ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝጠመተ ትራንስፖርት ተበፃሒ ንምግባር ይስራሕ ከምዘሎ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ  ገሊፀን።

ኣብ ዩንቨርስቲ ባህርዳር ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ “ኣብ ኤሌክትሪክ ዝተመስረተ ጥዕና ዘለዎ ትራንስፖርት ምትብባዕ” ብዝብል መሪሕ ቃል ዘተ የካየድ ኣሎ።

ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ፥ ብምኽኒያት ለውጢ ክሌማ ኣብ ዓለም ልዑል ድርቂ፣ ውሑጅን ካልኦት ፀገማትን ይፍጠሩ ኣለዉ ኢለን።

ዓውዲ ትራንስፖርት ብነዳዲ ዝጥቀም ብምዃኑ ንለውጢ ክሌማ መበገሲ ካብ ዝኾኑ ምኽኒያታት ዝፅራሕ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ስለዝኾነ ኣብ ቀፃሊ 10 ዓማውቲ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሑ ተሽከርከርቲን ትራንስፖርት ህዝቢን ናብ ኣገልግሎት ንምእታው ዘኽእል ሰርዓት ከምዝተዘርገሐ ሓቢረን ክበል ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.