Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መንጎ ግምባር ሓድነት ናፅነት ኦሮሞን ቦርድ ምርጫን እንትረአ ዝፀንሐ ክትዕ ቤት ፍርዲ ውሳነ ተዋሂቡዎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ መንጎ ግምባር ሓድነት ናፅነት ኦሮሞን ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያን እንትረአ ዝፀንሐ ክትዕ ቤት ፍርዲ ውሳነ ተዋሂቡዎ።

እቲ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል መበል ካልኣይ መጋባእያ ጉዳያት ምርጫ እንትኸውን፥ ብወገን ቦርድ ምርጫ እቲ ፓርቲ ንባዕሉ ንኽከላኸል ዕድል ክወሃቦ ይግባእ እንትብል ኢዩ ወሲኑ።

ግምባር ሓድነት ናፅነት ኦሮሞን 19 ለካቲት 2013 ዓ.ም ካብ ፓርቲታት ፖለቲካ ብዘይኣግባብ ተሰሪዘ ኢየ፤ ኣብ ከይዲ እቲ ምፅራይ እውን ኣይተሳተፍኩን፣ እዚ ድማ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝተረቑሐ መርህ ተሓታትነት ኣሰራርሓ መንግስቲ ዝተኸተለ ኣይኮነን እንትብል መከራኸሪ ነጥቢ ኣቕሪቡ።

ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ብግድኡ፥ ኣብቲ ፓርቲ ኣባላት ካብ ዝኾኑ እቶም 120 ብናሙና ብምውሳድ 29 ነባርነቶም ዝተረጋገፀ 91 ድማ ኣብቲ ዝተሓበረ ኣድራሽኦም ነበርቲ ዘይምዃኖም ብምፅራየይ ንምስራዝ ተገዲደ ኢየ ኢሉ ነይሩ።

ይኹን እንበር እቲ ቦርድ ገይረዮ ኢየ ዝበሎ ምፅራይ ኣብዝሓ ብስልኪ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ግልፅነት ዝጎደሎ ኣሳታፊ ዘይኮነን ነባራዊ ኩነታት እዛ ሃገር ዘየገናዘበን ኢዩ ኢሉ።

ነቲ ክርክር ዝመርመረ ቤት ፍርዲ፥ ቦርድ ምርጫ ካብ ከይዲ ምዝገባ ፓርቲታት ፖለቲካ ናይ ምስራዝ ውሳነ ቅድሚ ምትሕልላፉ እቲ ፓርቲ ንባዕሉ ንኽከላኸል ዕድል ዝተውሃቦ ከምዝኾነ ኣየርእን ኢሉ።

ስለዝኾነ ብመሰረት ኣዋጅ ምዝገባን ስነ ምግባር ምርጫን ፓርቲታት ፖለቲካ ቁፅሪ 1163/2011 ዓንቀፅ 98 (4) ውሳነ ሂቡ።

ብመሰረት እቲ ውሳነ ግምባር ሓድነት ናፅነት ኦሮሞን ካብ ከይዲ ምዝገባ ንክወፅእ ተባሂሉ 9 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም እቲ ቦርድ ዝሃቦ ውሳ ከምዝተስዓረ ኣፍሊጡ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.