Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መዝገብ ኣይተ ሃምዛ ቦረና ዘለዉ 9 ተጠርጠርቲ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ መዝገብ ኣይተ ሃምዛ ቦረና(ሃምዛ ኣዳነ)  ዝተኻተቱ 9 ተጠርጠርቲ ትማሊ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

እቶም ተጠርጠርቲ ቀዳማይ ሃምዛ ቦረና (ሃምዛ ኣዳነ) ፣ ያለምወርቅ ኣሰፋ፣ ታምራት ሑሴን ፣ ሰበቃ ቃርቴን ጌቱ ተረፈን ሓዊሱ ቁፅሮም ትሽዓተ እንትኾኑ፥ ካብዚኦም እቶም ሸሞንተ ዓጀብቲ ኣይተ ጃዋር መሓመድ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ኣብ ቀዳማይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣራዳ ምድብ ተረኛ  መጋባእያ ንመበል ራብዓይ ጊዜ ዝቐረቡ እቶም ተጠርጠርቲ፥ መርመሪ ፖሊስ ቅድመ ሐዚ ኣብ ዝተውሃቦ ተወሳኺ እዋን ምርመራ ዝሰርሖ ስራሕቲ ኣቕሪቡ።

ኣይተ ሃምዛ ኣብ ዝተጠርጠርሉ ጉዳይ ኣመልኪቱ ተንቀሳቓሲ ምስልታት ከምዝኣከበ ዝገለፀ መርማሪ ፖሊስ፥ ዓጀብቲ ኣይተ ጃዋር ኣብ ዝተጠርጠርሉ ጉዳይ እውን ቃል 27 መሰኻኽር ከምዝተቐበለ ኣብሪሁ።

ኣብ ኢድ ተጠርጠርቲ ዝተትሓዘ መሳርሒ ብዝምልከት እውን ምርመራ ፎረንሲክ ይግበር ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ነዚ ምርመራ ምዝዛሙ ብምግላፅ ዓቃቤ ሕጊ ኣብ ምድብ መጋባእያ ኣራዳ ዝኸፈቶ መዝገብ ቅድመ ምርመራ ንክቕፅል ሓቲቱ።

ቀዳማይ ተጠርጣሪ ኣይተ ሃምዛ ምስ ዝተጠርጠርሉ ጉዳይ ርክብ ከምዘይብሎም ዝገልፅ ተቐውሞ ዘቕረቡ እንትኾኑ፥ ጠበቓታት ዓጀብቲ ኣይተ ጃዋር እውን ብተመሳሳሊ እቶም ተጠርጠርቲ ተሳትፎ ገበን የብሎምን ክብሉ ብምቅዋም ብዋሕስ ንክወፅኡ ሓቲቶም።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዘለዎም ፃንሒት ብፍላይ ምስ ቤተሰብ ምስ ምርኻብ/ምሕታት ብዝተተሓሓዘ ቅሬታ ኣመዝጊቦም።

ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ብግድኡ፥ ብጠበቓታት ተጠርጠርቲ ዝተልዓሉ መቃወሚ ሓሳባትን ምስ ቤተሰብ ኣይተራኸብናን ብዝብል ዝቐረበ ቅርታን ብዝምልከት ምላሽ ሂቡ።

መዝገብ ቅድመ ምርመራ ከምዝኸፈተ ዝገለፀ ዓቃቤ ሕጊ፥ ኣብቲ መዝገብ ተጠርጠርቲ ንክቐርብሉ ሓቲቱ።

ተጠርጠርቲ ይኹኑ ጠበቓታቶም ኣብ ዝኾነ ይኹን ሚዲያ ምንም ዓይነት ቅርታ/ኣቤቱቱ ኣየመዝገቡን።

ይኹን እንበር ቤት ፍርዲ ኣብ መጋባእያ ዘለዉ ሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽ ማንነት ትካላት ብምሕታት ኣብ ውሽጢ ይኹኑ ብደገ ዘለዉ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ትሕዝቶ ውፅኢት ዝርዝር ምርመራን ክትዓት መጋባእያን ንህዝቢ ምቕራብ ኣይትኽእሉን፤ ፖሊስ ዘተኣኻኸቦም መረዳእታታት እውን ንእታዎት መጋባእያ እንበር ዝርዝር ትሕዝቶ ክርክር እቲ ችሎት ንከይቐርብ ክብል ኣዚዙ።

ተጠርጠርቲ ምስ ቤተሰቦም ንከራኽቦም ቅድመ ሐዚ ንፖሊስ ዝተውሃበ ትእዛዝ ተግባራዊ ብዘይምዃኑ ሐዚ እውን እቲ ትእዛዝ ተግባራዊ ንክግበር ኣዚዙ።

ቤት ፍርዲ ተጠርጠርቲ ንዘቕረብዎ ሕቶ ዋሕስ ትእዛዝ ንምሃብ ድማ ንሎሚ መዓልቲ ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.