Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መፋርቕ ኣፋሪቕና ’ዶ?-መንግስቲ ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስቲን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሎሚ ዘበን ዝኽበር መበል 45 ዓመት ልደት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ 11 ለካቲት ብዝምለከት ሰሙናዊ መግለፂ ሂቡ።

ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

ህዝብን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን “መስመርና ዓቲርና ንመኸተ” ብዝብል መሪሕ ቃል፣ ሽግ ሓርነት ዝወልዑሉ ለካቲት መበል 45 ዓመት ናይ ቃልሲ፣ መስዋእትነትን መስተንክራዊ ዓወታትን ብድሙቕ ፅንብል ዘኽብርዎ፣ ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዝተዓመሙ መደባት ዴሞክራታይዜሽንን ትራንስፎርሜሽንን ብግዜ የለን መንፈስ ብወነን ብልዑል ተወፋይነትን ውፅኢታዊ ብምግባር ከምዝኸውን ኣየጠራጥርን፡፡

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምስ ህዝቡ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዝፍፅሞም መደባት ነፂሩ ናብ ተግባር ካብ ዝኣቱ ሻድሻይ ወርሒ ሒዙ ኣሎ፡፡ ኣብዚ በጀት ዓመት ምስ ዓበይቲ መደባት ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ጎናጎኒ መበል 45 ዓመት ዕለት 11 ለካቲት ብምኽባር ሎሚ ይኹን ፅባሕ ዋሕስ መንነትና ዘላቒ ምዕባለናን ዴሞክራሲያዊ፣ ልምዓታዊ ህዝባዊ መስመርና ምዃኑ ብተግባር ብምርኣይ ፈታውን ፀላእን ወያነ ክፈልጦ ምግባር ቐንዲ ተግባር እዩ።

ብምዃኑ ብሓደ ወገን መደባት ሕሉፍ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ብምግምጋም፣ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝተንጠባጠቡን ዘይተፈፀሙን ፈሊና ምስ መደባት ወርሒ ታሕሳስ ደሚርና ብምፍፃም መፋርቕ በጀት ዓመት 2012 ዓ/ም ምዝዛምና ከነረጋግፅ ይግባእ። በቲ ካሊእ ወገን ድማ ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ዘይተኣከቡ ምህርቲ ሓረስታይና ከይባኸነ፣ ናብ ቆፎ ክኣትው ኣድላዪ ዘበለ ፃዕሪ እንገብረሉ፣ ኣብ ገጠር ይኹን ኣብ ከተማ ዝረአ ዘሎ ካብ ድሕረታት ዝብገስ መባኸናይ ኣረኣእያ ኩላትና ተቓሊስና እንተዘይቐኒስናዮ ድኽነት ኣብ ምግዳድ ይኹን ድሕንነት ትግራይና ኣብ ሕቶ ዘእትው ምዃኑ ግልፂ ክኸውን ይግባእ።

ኣብ መወዳእታ መንነት ህዝብና ድሕንነትን ሃለዋትን ትግራይና ምርግጋፅ ዝከኣል ስራሕቲ ብፍላይ ኣብ መፋርቕ እዚ በጀት ዓመት ክፍፀሙ ዝግበኦም መደባት ኣፋሪቕና ዶ? ዝብል ሕቶ ብምልዓል ሕድሕደ ቤት ዕዮ፣ ህዝብናን ሰብ ሃፍትናን ዝተለሙዎም መደባቶም ብምፍታሽ ብመልክዕ ሰራዊት ልምዓትን መኸተን ተወዲቦም ቀትርን ለይትን ተረባሪቦም መደባቶም ብምዕዋት መበል 45 ዓመት ልደት 11 ለካቲት ብውሑስ ሰላምን ዝጭበጥ ልምዓትን ከም እትፅንበር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ይተኣማመን።

ዘልኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንስዉኣትና!!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.