Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ኢንዱስትሪ ፊልሚ ብምስፋሕ ዝያዳ ናይ ስራሕ ዕድልን ናይ እቶት ዕድላትን ምፍጣር የድሊ – ዶ/ር ሙላቱ ተሾመ

ኣዲስ ኣበባ፣10  ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ኢንዱስትሪ ፊልም ምስፋሕን ኣብቲ ክልል ዝያዳ ዕድል ስራሕን እቶትን ምፍጣር ከምዘድሊ ነበር ፕሬዚዳንት ፌደራል ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ገሊፆም።

ዶክተር ሙላቱ ነዚ ዝገለፁ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ዝርከብ ፌስቲቫል ባህልን ጥበባትን ምብራቕ ኣፍሪካ ብዝተትሓሓዘ ብብሄራዊ ቲያትር ዝተዳለወ ስነስርዓት ምረቓ ፌስቲቫል ፊልሚ እዩ።

ኢንዱስትሪ ፊልሚ ኣብቲ ክልል ተወዳዳርን ፅልዋ ፈጣርን ንክኾን ኣብቲ ዘፈር ዝተዋፈሩ ኩባንያታት ምህናፅ ከምዘድሊን ከምዝከኣልን ብምልዓል፤ ሓባራዊ ዕላማና ዝኾነ ሓድነትን ልዕልና ክልልና ንክነዕውት ነዚ ፃዕሪ ኣጠናኺርና ምቕፃል ክህልወና ይግባእ ኢሎም።

ሚኒሰትር ባህልን ስፖርትን ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ ብግደኦም፤- ኣብ ዘፈር ስራሕ ፊልሚ ዝሰልጠነ ሰብ ሕፅረት ብምህላዉ፤ ሃገራዊ ፖሊሲ ፊልሚ ዘይምህላውን፤ ንሰብሞያታት ዘሰልጥኑ ሃገራዊ ትካላት ውሱናት ብምዃኖም እዚኦም ድማ ቐንዲ ፈተናታት እዮም ክብሉ ገሊፆም።

እቲ ፌስቲቫል ፊልሚ ኣካል መርሃ ግብሪ ፌስቲቫል ባህልን ጥበባትን ምብራቕ ኣፍሪካ ኮይኑ ክሳብ ዝቕፅል ሰንበት ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ ከምዝቕፅል ካብ ቤት ፅሕፈት እቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.